『ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025)』のカバーアート

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025)

無料で聴く

ポッドキャストの詳細を見る

このコンテンツについて

ቀጥታ ምሉእ ፈነወ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሓምለ 10, 2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ ጸብጻባት ልኡኽና፣ * ኤርትራ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺራ ምህላዋ ፍሉይ ራፖርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ * ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቶ ቢንያም በርሀ ምስ ሓለፍቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ርክብ ኣካይዱ፣ * ኣብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ዲያሰፖራ ተጋሩ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣ * መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝመጽእ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ: ቃለመሕትት፣ * ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ ስነልቦና’ዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣቕሪቡ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ዕላል ከነካይድ ዓዲምናዮ’ለና። ሶኑይ ዝጀመርናዮ ቀዳማይ ክፋል መቐጸልትኡ ሎሚ ክቐርብ’ዩ። * ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ ከም ሓሳብ ንብዙሓት ሰሓቢ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ወጻኢታት ዝቕንስ፡ ክትተዓጻጸፍ ዕድል ዝህብን ንብዙሓት ዝዓይነቶም ሞያታት ዝጥዕም፡ ከምኡ'ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክካየድ ግድን ዘይኮነን'ዩ። ልክዕ ከም ካልኦት ንግድታት ግን ክትክተልዎም ዘለኩም መምርሒታት ኣለዉ። ንኣውስትራልያ ኣብ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ካብ ገዛ ዝካየድ ንግዲ ክትከፍቱ ክትሓስቡ'ንከለኹም ኣብ ግምት ከተእትውዎም ብዛዕባ ዘለኩም መሰረታውያን ሕግታትን ትኽተልዎም ቀንዲ ስጉምቲታትን ክቐርቡ’ዮም። ዜናታት ናይ ዝሓለፈ ሰሙን

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025)に寄せられたリスナーの声

カスタマーレビュー:以下のタブを選択することで、他のサイトのレビューをご覧になれます。