『ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኢስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2025)』のカバーアート

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኢስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2025)

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኢስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2025)

無料で聴く

ポッドキャストの詳細を見る

このコンテンツについて

ንሎሚ ሓሙስ 22 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። ፕረዝደንት ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመያዪጦም። ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ይቕጽል ኣሎ ኣ ክብል - ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ነቒፉ። ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝቐረቡ ሓሓሊፍና ንድሕሪት ተመሊስና ከነቕርቦም ኢና፡ ንሎሚ፡ ታቦቱ ኣብ መልበርን ዓብያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኣ እያ ናብ ርሑቕ ከባቢ ኣቦርጂናዊያን ከይዳ ኣብ ህዝቢ ደቀባት ለውጢ ንኽመጽእ እጃማ ዝገበረት እያ። ነዚ ውሳነ ክትወስድ እንታይ ደሪኽዋ? ህዝቢን ናብራን እቲ ከባቢ እንታይ ይመስልን ናይ ስራሕ ዕድል ኣብቲ ከባቢ እንተሎን ካልእን ሓቲትናያ መልሲታት ሂባትና ነይራ። ዝተሰርቁ ወለዶ፡ ነቲ ታሪኽን ጽልዋኡን ምርዳእ። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተገሊሎም ኣለዉ ፣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ድሒኖም ኣለዉ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሉ ግዝኣት ጋዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እስራኤል ከም ዝኸውን ደጊሙ ቃል ኣትዩ ። ወዲ ኤኳዶር ሪቻርድ ካራፓዝ ኣብ መድረኽ 11 ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታልያ ተዓዊቱ ፣

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኢስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2025)に寄せられたリスナーの声

カスタマーレビュー:以下のタブを選択することで、他のサイトのレビューをご覧になれます。